ሓገዝ ንጀጋኑ ዉጉኣት ሰራዊት ትግራይ
ትካል ገባሪ ሰናይ ትንሳኤ ምእንተ ህላወ ህዝቢ ትግራይ ክብሉ ኣካሎም ዝጎደሉ ጀጋኑ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ዝውዕል ብ2 ነጥቢ 4 ሚልዮን ብር ዝተዓደጉ 50 ኣቡዑር ብሓገዝ ኣወፍዩ፡፡ንጀጋኑ ዉጉኣት ኣባላት ሰራዊት ዝግበር ሓገዝ ኣካል እቲ ትግራይ ንምሕዋይ ዝዕመሙ ዘለዉ ስራሕቲ ስለዝኾነ ትካል ገባሪ ሰናይ ትንሳኤ ገይርዎ ዘሎ ሰናይ ተግባር ኩሉ ክስዕቦ ከምዝግባእ ማእኸል ዕደላ ቀለብ ዉጉኣት ሰራዊት ትግራይ ተላብዩ፡፡ትካል ገባሪ ሰናይ ትንሳኤ ምእንተ ህላወ ህዝቢ ትግራይ ክብሉ ኣካሎም ንዝጎደሉ ጀጋኑ ኣባላት ሰራዊት ዝውዕል ብ2 ነጥቢ 4 ሚልዮን ብር ዝተዓደጉ 50 ኣቡዑር ንመውዐሊ ኣውደኣመት ንዉጉኣት ሰራዊት ከምዘወፈየ ኣከያዲት ሰራሕ እቲ ትካል ገባሪ ሰናይ ወይዘሪት ገነት ብርሃኑ ገሊፃ፡፡ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ብዘሎ ኣፋፍኖት ሰላም ተጠቒሙ ትካል ገባሪ ሰናይ ትንሳኤ ሓገዝ ይገብር ከምዘሎ ዝሓበሩ ኣካቢ ቦርድ እቲ ትካል ኣይተ የውሃንስ ኣብርሃ ምእንተ ትግራይ ዝተዋደቑ ጀጋኑ ኣብ ዝኾነ እዋን ክኽበሩ ከምዘለዎምን ክሳብ ዓርሶም ዝኽእሉ እውን ደገፍ ክገብረሎም ከምዝግባእን ብምግላፅ ትካሎም እውን ነዚ ሰናይ ተግባር ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅልሉ ቃል ኣትዮም፡፡ፆታዊ ጥቕዓት ንዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ንምሕጋዝ እውን ብንዋት ይኹን ብገንዘብ ንምሕጋዝ ተሊሙ ኣብ ምስራሕ ከምዝርከብን ትግራይ ንምሕዋይ ኣብ ዝግበር ምርብራብ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ዘለዎን ግደ ተገንዚበን ክሰርሓ ኣመራርሓ ትካል ገባሪ ሰናይ ትንሳኤ ሓቢሮም፡፡ሓላፊ ማእኸል ዕደላ ቀለብ ዉጉኣት ኣባላት ሰራዊት ትግራይ እቲ ማእኸል ተጋዳላይ ገ/መስቀል ኣብርሃ ንዝተገበረ ሓገዝ ብምምስጋን እቲ ዉጉእ ዓርሱ ክሳብ ምምሕዳር ዝጅምር ኣሰር እቲ ሰናይ ተግባር ብምስዓብ ኩሉ እጃሙ ከበርክት ፀዊዑ፡፡ትካል ገባሪ ሰናይ…
Feed and heal
As part of the feed and heal cause initiated by THCO, Tinsae Humanitarian Charity Organization donated cattle worth 2.4 million to provide food for wounded soldiers of the Tigray conflict in Ethiopia who are recovering in the hospitals. This donation is made to help these brave men and women who have put their lives on the line for their people and are now recovering from injuries sustained during the conflict. Throughout the conflict, THCO has been working tirelessly to help those affected by the conflict in the Tigray region. The donation of cattle is a significant contribution to the provision of healthy and nutritious meals for the injured soldiers. This support will not only aid in their recovery, but also shows appreciation for their dedicated service to their people. These injured soldiers have shown great courage and resilience in the face of adversity and this gift of compassion from the THCO is a much-needed boost to these brave men and women. The provision of good…
Archive
Featured cause
ዝባኸነ ግዜ እምበር ዝባኽን ርእሲ የለን
ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፡ ቀፂሉ ድማ ብሰንኪ ልፍንታዊ ኩናት ትግራይ ንልዕሊ ሰለስተ ዓማውቲ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ዝቦኾሩ ተምሃሮ ትግራይ ናብ መዓዲ ትምህርቲ ክምለሱ ግድን እዩ።