info@tinsaetigray.org +251925069208 +251913902190
ዝባኸነ ግዜ እምበር ዝባኽን ርእሲ የለን

ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፡ ቀፂሉ ድማ ብሰንኪ ልፍንታዊ ኩናት ትግራይ ንልዕሊ ሰለስተ ዓማውቲ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ዝቦኾሩ ተምሃሮ ትግራይ ናብ መዓዲ ትምህርቲ ክምለሱ ግድን እዩ።

ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፡ ቀፂሉ ድማ ብሰንኪ ልፍንታዊ ኩናት ትግራይ ንልዕሊ ሰለስተ ዓማውቲ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ዝቦኾሩ ተምሃሮ ትግራይ ናብ መዓዲ ትምህርቲ ክምለሱ ግድን እዩ። ይኹን ደኣ እምበር በቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ወሪዱ ዘሎ ብርሰት ኣይኮነንዶ ንሕድሕድ ተምሃራይ ዋላ ንትግራይ ካብ ኩሉ ዓይነት ተሳትፎ ኢኮኖሚ ወፃኢ ገይርዋ ይርከብ። ብሰንኪ እቲ ከቢድ ዅናት ዘስዓቦ ብርሰት ወለዲ ንደቆም ናብ ትምህርቲ ክምለሱ ዋላካ እንተደለዩ ሰኣን ገንዘብ ወርሓዊ ክፍሊት ቤት ትምህርትን መግዝኢ ናውቲ ትምህርትን ደቆም ከምህሩ ኣይከኣሉን። ነዚ ኣብ ግንዛበ ብምእታው ትካልና ንኹሎም ተጋሩን ተገውቲ ትግራይን ኣተሓባቢራ ን10000 ተምሃሪ ዝኸውን ናውቲ ትምህርቲ (ንሕድሕድ ተምሃራይ 8 ደብተር፡ 1 ፒሮን 2 ርሳስን) ዓዲጋ ኣብ ትግራይ ንዘለዉ ተምሃሮ ንሕጋዝ ተዳልያ ኣላ። ነዚ ዕላዊ ንምግባር ድማ ምስ ሰብ ትካላትን መምፃእቲ ናውቲ ትምህርትን ብዝገበረቶ ምርድዳእ ነቲ ናውቲ ትምህርቲ ብዘይ ምንም ከስቢ ንከቕርቡ ብምስምማዕ፡ ትንሳኤ ድማ ከማኹም ምስዝበሉ ተገደስቲ ተጋሩን ፈተውቲ ትግራይን ብምትሕብባር ሓገዝ ኣተኣኻኺባ ነቶም 10000 ተምሃሮ ንኽትሕግዝ ተዳልያ ትርከብ። ብምዃኑ ድማ “ዝባኸነ ግዜ እምበር ዝባኽን ርእሲ የለን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ነዞም ተምሃሮ ትግራይ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ንኽምለሱ ሓቢርና ክንብፅሐሎም ንላበው።

ወፈያ